1 እምበኣር ንዅሉ ኽፍኣትን፥ ምትላልን፥ ግብዝናን፥ ቅንእን፥ ሓሜትን ኣወግዱ።
እቶም ግብዛት ግና ቝጥዓ የብዝሑ፤ እንተ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን።
እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ፥ ኣብ መንፈሱ ጥበራ ዘይብሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
እምበኣር ኣንደበትካ ኻብ ክፉእ ሓሉ፤ ከናፍርካውን ጥበራ ኣይናገራ።
በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ፤ በቶም ዓመፅትውን ኣይትቕናእ።
ሰላም ሓጢኣተኛታት ሪአ፥ ብዓመፀኛታት ቀኒአ ነይረ እየሞ።
ትሑት ልቢ፥ ንስጋ ህይወቱ እዩ፤ ቅንኢ ግና፥ ቍንቍነ ኣዕፅምቲ እዩ።
ወደይ፥ ልቦም ክፍኣት እዩ ዝሓስብ፤ ከናፍሮም ድማ ኽፍኣት እየን ዝዛረባሞ፥ በቶም እኩያት ሰባት ኣይትቕናእ፤ ምስኣቶምውን ክትነብር ኣይትድለ።
በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቈጣዕ፤ በቶም ዓመፀኛታትውን ኣይትቕናእ።
ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፤ ኵሉ መንገዱውን ኣይትምረፅ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ሰባት ነቶም ክሰግዱሎም ኢሎም ብብሩርን ብወርቅን ዝሰርሕዎም ጣዖታቶም ንፅሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ክድርብይዎም እዮም።
ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።
ኣቱም ግብዛት! ኢሳይያስ፥ ‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤ ብልቡ ግና ኻባይ እምብዛ ዝረሓቐ እዩ። ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ ኢሉ፥ ብዛዕባኻትኩም ሓቂ ተነበየ።’ ”
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ፃድቃን መሲልኩም ትረአዩ፤ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመፅን ዝመልአ እዩ።
ብዘሰቅቕ ሞት ይቐፅዖ፤ ዕድሉ ኸዓ ምስ ግብዛት ይገብሮ፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።”
ኣታ ግብዝ! ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውፅእ፤ ብድሕሪኡ ኻብ ዓይኒ ሓውካ፥ መንገፍ ንምውፃእ ኣፀቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ።
ኢየሱስ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ፥ “ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እስኪ ነቲ ዲናር ክሪኦ ኣምፅኡለይ” በሎም።
ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከምቲ ሰብ እንተይፈለጠ ረጊፅዎ ዝሓልፍ፥ ዘይረአ መቓብር ኢኹም እሞ ወይለኹም!”
ኣእላፋት ህዝቢ፥ ንስንሳቶም ክሳዕ ዝፀቓቐጡ ናብኡ ምስ ተኣከቡ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን፥ ንሱውን ካብ ግብዝና፥ ርእስኹም ሓልዉ።
ወይ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርእስ፥ ንሓውካ፥ ‘ኣታ ሓወይ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ መንገፍ እስኪ ኸውፅአልካ’ ኽትብሎዶ ትኽእል? ኣታ ግብዝ! ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ኣውፅእ እሞ፥ ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምውፃእ፥ ኣፅሪኻ ኽትርኢ ኢኻ።
ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።
ስለዙይ ብዓመፅ፥ ብኽፍኣት፥ ብስስዐ፥ ብቕንኣት፥ ብቕትለት፥ ብባእሲ፥ ብምጥፍፋእ፥ ብእከይ ምሉኣት ኮኑ። ከምኡውን ስም ሰብ ዘፀልሙ፥
ኣሕዋተይ፥ በተሓሳስባኹም ከም ህፃናት ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ህፃናት ኩኑ እምበር፥ በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ።
ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።
ክመፅእ እንተለኹ፥ ከምቲ ኣነ ዘይደልዮ ዄንኩም ከይረኽበኩም፥ ንኣይውን ከምቲ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ኾይነ ኸይትረኽቡኒ፥ ምናልባሽውን ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ሻራ፥ ምፅላም ስም፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ህውከት፥ ከይህልወኩም እፈርሕ ኣለኹ።
ኵሉ ምረትን፥ ንደትን፥ ቍጥዓን፥ ሁከትን፥ ፀርፍን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።
እቲ ምዕዶና ኻብ ጌጋ ወይ ካብ ርኽሰት ወይ ከዓ፥ ክንጥብረኩም ኢልና ዝገበርናዮ ኣይኮነን።
ኣንስትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ዘይሓምያ፥ ብመጠን ዝነብራ፥ ብዅሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ።
ነተን ኣረጋውያትውን፥ ከምኡ ብቕድስና ዝነብራ፥ ዘይሓምያ፥ ዘይሰኽራ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንንኡሳት ኣንስቲ ዝምህራ ክኾና መዓደን።
ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።
ስለዙይ ንዅሉ ርኽሰትን፥ ነቲ በዚሑ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ኣርሕቑ፤ ነቲ ንነፍስኹም ከድሕን ዝኽእል፥ ኣብ ልብኹም ተዘሪኡ ዘሎ ቓል ድማ፥ ብቕንዕና ተቐበልዎ።
መሪር ቅንእን ንባዕልኻ ምፍታውን፥ ኣብ ልብኹም እንተ ሃልዩኩም፥ ኣይትመክሑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂውን፥ ኣይትሓስዉ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓሚ ወይ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዝፈርድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር እዩ ዝሓሚ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ይፈርድ፤ ንሕጊ ትፈርድ እንተ ደኣ ዄንካ፥ ፈራዲ እምበር ፈፃሚ ኣይኮንካን።
ወይ ከዓ እቲ፥ “እግዚኣብሄር ነቲ ኣባና ኣሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ፥ ንእኡ ጥራሕ ክንከውን፥ ብቕንኢ ሃረር ይብል” ዝብል ቃል መፅሓፍዶ፥ ከንቱ ይመስለኩም?
ኣሕዋተይ፥ ከይትፍረዱ፥ ኣብ ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ። እንሆ እቲ ፈራዲ፥ ኣብ በሪ ደው ኢሉ ኣሎ።
ከም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ብሓርነት ንበሩ እምበር፥ ነቲ ሓርነትስ፥ መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ።
“ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።”
ከምቲ መፅሓፍ ዝብሎ፦ “እቲ ህይወት ዝፈቱ፥ ሰናያት መዓልቲታት ከዓ ኽርኢ ዝደሊ፥ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፥ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል።
ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ።
ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነውሪ እውን የብሎምን።