24 “ኵሉ ሰብ ከም ሳዕሪ እዩ፤ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ በረኻ እዩ፤ እቲ ሳዕሪ ይነቅፅ፤ እቲ ዕምበባውን ይረግፍ፤
ስለዙይ እቶም ዝነብርወን ሰባት ሓይሊ ሰኣኑ፤ ተሸበሩን ሓፈሩን፤ ከም ሳዕሪ በረኻን፥ ከም ልምሉም በቝልን፥ ከምቲ እንተይሸወተ፥ ሕሞድያ ዝወቕዖ እኽልን ኮኑ።
ከም ዕምበባ ይዕምብብ እሞ ይረግፍ፤ ከም ፅላሎት ይሃድም፤ ኣይፀንዕንውን።
ምብላዕ እኽሊ ተረሲዑኒ፤ ተገረፍኩ፤ ልበይውን ከም ሳዕሪ ፀምለወን ነቐፀን።
ሰብ ዘመኑ ኸም ሳዕሪ እዩ፤ ከም ዕምበባ በረኻ ኸምኡ ይዕምብብ፤
ንዝዓፅዶ ዕትሩ፥ ንዝእክቦ ሕቝፉ ኸም ዘይመልእ ይኹኑ፤ እንተይዓፀድዎ ኸም ዝነቅፅ፥ ኣብ ዝባን ናሕሲ ኸም ዝበቝል ሳዕሪ ይኹኑ።
ንሳቶም ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ክነቕፁ፥ ከም ልምሉም ቘፅሊውን ክረግፉ እዮም እሞ።
ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤ ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።
ዓመታት ኣብ ቅድሜኻ ዝተንዓቑ እዮም፤ ብንግሆ ኸም ሳዕሪ ይሓልፍ።
ሓጢኣተኛታት ሰባት ከም ሳዕሪ እንትበቝሉ፥ ኵሎም ገበርቲ ኽፉእውን እንትልምልሙ፥ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽጠፍኡ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም፤ ነዝ መዋቲ ሰብ፥ ነዝ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ?
እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ፥ ፅባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ዘይኸድነኩም!
ንስኻትኩም ነቲ ፅባሕ ዝኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩምከ እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም።
ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።