18-19 ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤ ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።
ንዓመፅ ተስፋ ኣይትግበሩ፤ ብዘመተውን ኣይትተኣማመኑ፤ ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኹም ኣይተዓበ።
ንገበንካ ኸም ደመና፥ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣወጊደዮ እየ። ተቤዚወካ እየሞ፥ ናባይ ተመለስ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዘይ ዋጋ ተሼጥኩም ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ብዘይ ዋጋ ኸዓ ኽትቢዘዉ ኢኹም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።
በቲ ዘመን እቱይ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ከምዙይ ክበሃል እዩ፦ “ዘቃፅል ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብ ጓል ህዝበይ ክመፅእ እዩ” ግና ንምምሳእን ንምዝራውን ዝኸውን ኣይኮነን።
ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።
እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ።
ኣብ ምድረ በዳ ኸዓ ንደቆም፥ “ከምቲ ሕግጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፤ ስርዓቶም ድማ ኣይትሓልዉ፤ ብጣዖታቶምውን ኣይትርከሱ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?
ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።
ከምኡውን “ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ኸም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ” ዝብል፥ ተፅሒፉ ኣሎ።
ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
ክርስቶስ ብዋጋ ዓዲጉኩም እዩ እሞ፥ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ።
ጐይታና፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና፥ ብምኽንያት ሓጢኣትና፥ ንንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ።
እምበኣርከስ፥ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም፥ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝኾኑ ሓሳባት ዝነብሩዎ ኸይትነብሩ እነግረኩም፤ ብጐይታውን እምስክር ኣለኹ።
ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ሒዙ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ደም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ኣተወ።
እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።
እምበኣር እቲ ብዕብዳን፥ ብፍትወት ስጋ፥ ብስኽራን፥ ብጐይላ፥ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፥ ኣፀያፊ ብዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ክትነብሩ እንተለኹም፥ ከምቲ ኣህዛብ ዝደልይዎ እናገበርኩም፥ ዘሕለፍኩምዎ ዘመን ይኣክል።
ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ሓጢኣት የለን።