9 ሰብ ዝህቦ ምስክር ንቕበል ኢና፤ እግዚኣብሄር ዝህቦ ምስክር ግና፥ ካብኡ ይዓቢ እዩ፤ እቲ እግዚኣብሄር ዝህቦ ምስክርነት ከዓ ብዛዕባ ወዱ እዩ።
ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣብ፥ ኣባይ ምህላዉ፥ ኣነውን ኣብ ኣብ፥ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክተስተውዕሉን፥ ነቲ ግብረይ እመንዎ” ኢሉ መለሰሎም።
ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም፥ ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ።
በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም።
ንሕና ነዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢና፤ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም፥ መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።”
እግዚኣብሄር ከዓ ብምልክትን ብዘደንቕ ነገራትን፥ በብዓይነቱ ብዝኾነ ተኣምራትን፥ በቲ ኸም ፍቓዱ ዝዕድሎ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ፥ ምስክርነቶም ኣፅኒዑ እዩ።
እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።
ብወዲ እግዚኣብሄር ዝኣምን፥ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምን፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክርነት ስለ ዘይኣመነ፥ ንእግዚኣብሄር ሓሳዊ ይገብሮ።
መንፈስ፥ ማይ፥ ደም፥ ሰለስቲኦም ብምስክርነቶም ሓደ እዮም።