8 መንፈስ፥ ማይ፥ ደም፥ ሰለስቲኦም ብምስክርነቶም ሓደ እዮም።
እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
ብዙሓት ብሓሰት መስከሩ፤ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን።
እቲ ኣነ ኻብ ኣብ፥ ዝሰደልኩም መፀናንዒ፥ ኻብ ኣብ፥ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ንሱ ኽምስክረለይ እዩ።
ሓደ ኻብቶም ወታደራት ግና፥ ብዅናት ጐድኑ ወግኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደምን ማይን ወፀ።
“እዝ ነገር እዙይ፥ ምስቲ ቓል ነቢያት ዝሰማማዕ እዩ፤ ከምቲ ፅሑፍ ዝብሎ፦
ንሕና ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንና ኸዓ፥ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ፥ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር።
ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።
ኢየሱስውን ንህዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኽቕድስ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ መከራ ተቐበለ።
እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሀሎም፥ ሰማያዊ ውህብቶ ዝጠዓሙ፥ ተሳተፍቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኾኑ፥
ማይ ናይቲ ሕዚ ዘድሕነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ፤ ጥምቀት ከዓ እቲ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብንፁህ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ልመና እዩ እምበር፥ ናይ ሰብነት ርስሓት ዝሓፅብ ኣይኮነን።
ሰብ ዝህቦ ምስክር ንቕበል ኢና፤ እግዚኣብሄር ዝህቦ ምስክር ግና፥ ካብኡ ይዓቢ እዩ፤ እቲ እግዚኣብሄር ዝህቦ ምስክርነት ከዓ ብዛዕባ ወዱ እዩ።