7 እቶም ዝምስክሩ ሰለስተ እዮም።
ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
ናይ ጐይታ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣብ ልዕለይ እዩ፤ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከዓ ምፍታሕ፥ ክእውጅ ለኣኸኒ።
ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
እንተ ዘይሰምዐካ ግና፥ ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እዩ ዝቐውም እሞ፥ ኣብ ካልኣይ ጊዜ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።
እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
ብመጀመርታ ቓል ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፤ እቲ ቓልውን እግዚኣብሄር ነበረ።
ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም።
ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ” ሽዑ ኻብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ ኣለኹ፤ ደጊመውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ድምፂ መፀ።
ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።
እቲ ኣነ ኻብ ኣብ፥ ዝሰደልኩም መፀናንዒ፥ ኻብ ኣብ፥ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ንሱ ኽምስክረለይ እዩ።
ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ።
ኣነ ንባዕለይ ምስክር እየ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ኣብውን ምስክረይ እዩ” በሎም።
ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ንባዕለይ እንተ ኣኽበርኩ ኽብረተይ ከንቱ እዩ፤ ዘኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።
ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ።
ንሕና ነዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢና፤ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም፥ መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።”
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሕብረት መንፈስ ቅዱስን፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
“ኦ እስራኤል! ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።
ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ፥ በዒንትና ዝረአናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውናውን ዝዳህሰስናዮ ቓል ህይወት፥ ንነግረኩም ኣለና።
እቲ ብማይን ብደምን ዝመፀ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብማይን ብደምን እዩ እምበር፥ ብማይ ጥራሕ ኣይመፀን። እቲ መንፈስ ከዓ፥ ሓቂ ስለ ዝኾነ ንሱ እዩ ዝምስክር።
መንፈስ፥ ማይ፥ ደም፥ ሰለስቲኦም ብምስክርነቶም ሓደ እዮም።
ብደም ዝጠልቀየ ኽዳን፥ ተወንዚፉ ነበረ፤ ስሙውን፥ “ቃል እግዚኣብሄር” ይበሃል።