6 እቲ ብማይን ብደምን ዝመፀ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብማይን ብደምን እዩ እምበር፥ ብማይ ጥራሕ ኣይመፀን። እቲ መንፈስ ከዓ፥ ሓቂ ስለ ዝኾነ ንሱ እዩ ዝምስክር።
ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።
ናይ ስጋ ህይወት ኣብ ውሽጢ ደም እዩ ዘሎሞ፥ ስርየት ሓጢኣት ዝርከብ ከዓ ብደም እዩ፤ ኣነ ድማ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ደም ሃብኩኹም።
“ንኣኺ ድማ ስለ እቲ ምሳኺ ዝኣተኹዎ፥ ናይ ቃል ኪዳን ደም፥ ነቶም እሱራትኪ፥ ማይ ካብ ዘይብሉ ጕድጓድ፥ ሓራ ኣውፂአዮም ኣለኹ።
ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ማይ ወፀ፤ እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፈተ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ርግቢ ወሪዱ፥ ኣብ ልዕሊኡ እንትቕመጥ ረአየ።
ንሱ ኸዓ “እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ዝፈስስ፥ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።
ከምኡውን ድሕሪ ድራር፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ፥ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ በቲ ምእንታኻትኩም ብዝፈስስ ደመይ ዝግበር፥ ሓድሽ ኪዳን እዩ።
ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
እቲ ኣነ ኻብ ኣብ፥ ዝሰደልኩም መፀናንዒ፥ ኻብ ኣብ፥ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ንሱ ኽምስክረለይ እዩ።
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፤ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ [ቅዱስን] እንተ ዘይተወሊዱ፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የለን።
ኢየሱስ ድማ “ውህብቶ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ።
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።
ስጋይ ናይ ብሓቂ ምግቢ እዩ፤ ደመይውን ናይ ብሓቂ መስተ እዩ እሞ።
ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በፅሑ፤ ሽዑ እቲ ስሉብ “እንሆ ኣብዙይ ማይ ኣሎ፤ ከይጥመቕ ዝኽልክለኒ እንታይ ኣሎ?” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ።
ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድሕነት፥ ከምቲ ሃብቲ ፀጋኡ ድማ፥ ስርየት ሓጢኣት ረኸብና።
እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።
ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና።
ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም!
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
እቲ ኣምላኽ ሰላም፥ ብደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን፥ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ንዝኾነ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥
ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።
ማይ ናይቲ ሕዚ ዘድሕነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ፤ ጥምቀት ከዓ እቲ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብንፁህ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ልመና እዩ እምበር፥ ናይ ሰብነት ርስሓት ዝሓፅብ ኣይኮነን።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤
ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።