21 ኣቱም ደቀይ፥ ርእስኹም ካብ ጣዖታት ሓልዉ።
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
ስለዙይ ፍቑራተይ! ካብ ኣምልኾ ጣዖት ረሓቑ።
“እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ፤ ክፃወትውን ተስአ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ከምቶም ገሊኣቶም፥ መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ።
ነቲ ህያው ዝኾነ፥ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ክተገልግሉን፥ ነቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ዘድሕነናን፥ ወዱ ኢየሱስውን ካብ ሰማያት ክትፅበዩ ኽትብሉ፥ ከመይ ጌርኩም ንጣዖታት ሓዲግኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለስኩም፥ ናባኻትኩም ምስ መፃእናውን፥ ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምና፥ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ባዕልቶም ይምስክሩ እዮም።
ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ትኪ ናይቲ ዘሳቕዮም ሓዊ፥ ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንላዕሊ ኣቢሉ ይወፅእ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰገዱ፥ እቶም ማሕተም ስሙ ዝተቐበሉ፥ ለይትን መዓልትን፥ ዕረፍቲ የብሎምን።”
እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት፥ ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሁን። ንኣጋንንትን ነቶም ክሪኡ፥ ወይ ክሰምዑ፥ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ጣዖታት፥ ምምላኽ ኣይሓደጉን።