2 ንእግዚኣብሄር ብምፍቃርን፥ ትእዛዛቱ ብምሕላውን ኢና፥ ነቶም ደቂ እግዚኣብሄር፥ ከም እነፍቅሮም እንፈልጥ።
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ።
ትእዛዛት እግዚኣብሄር እንተ ሓሊና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግፅ።
እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።
ንሕና ነሕዋትና ነፍቅሮም ስለ ዝኾንና፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ሓዉ ዘየፍቅር ግና፥ ኣብ ፅላል ሞት እዩ ዝነብር።
እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ፥ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር፥ ንሓዉ ድማ የፍቅር” ዝብል እዩ።