16 ሓደ፥ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት ክገብር እንተ ረአዮ፥ ይፀልየሉ፤ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት እንተ ኾይኑ፥ እግዚኣብሄር ህይወት ክህቦ እዩ። ናብ ሞት ዘብፅሕ ሓጢኣት ኣሎ፤ “ይፀልየሉ” ዝብል ዘለኹ ብዛዕባ እዙይ ኣይኮነን።
እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፥ ሰበይቲ ኣብርሃም፥ ንዅለን እተን ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ዝነበራ ኣንስቲ ማህፀነን ዓፅዩ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄርውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወዮም፤ ክወልዱ ኸም ዝኽእሉ ኸዓ ኾኑ።
ሕዚ ኸዓ ነታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ምለሳ። ንሱ ነቢይ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ኽትድሕን ክፅልየልካ እዩ። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፥ ንስኻን ናትካ ዝኾነ ዅሉን ብርግፅ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ።
ስለዙይ ሽዑ “ከጥፍኦም እየ” በለ፤ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ኸየጥፍኦም፥ ካብ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኽምለስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ማእኸል ቆመ።
“ኦ ጐይታ! ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ፀጋ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንስኻ ምሳና ኺድ። እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ክሳድ እኳ እንተ ኾነ፥ ዓመፃናን ሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ኸዓ ተቐበለና” በለ።
ንሱውን ንበዓል ምእንቲ ኽትዓጥኑሉ፥ መሰውኢ ጌርኩም ኢኹም፤ ንስኻስ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ምእንትኣቶም ከዓ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን።
እግዚኣብሄር ድማ “ነዝ ህዝቢ እዙይ ሰናይ ኣይትለምነሉ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እምበኣር ኣይሰምዐካን እየ እሞ፥ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ኣይትማህለል፤ ኣይትፀሊ፤ ላሕውን ኣይተብለኒ።
ኣነ ኸየጥፍኣስ፥ ነቲ ቕፅሪ ዝፅግን፥ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ዝፈረሰ ዝቐውም፥ ኣብ ማእኸሎም ሓደ ሰብኣይ ደለኹ፤ ግናኸ፥ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
ሙሴ ድማ “ኦ ኣምላኽ፥ ክተሕውያ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።
ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ።
ኵሉ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዝኾነ ቓል ዝዛረብ ክሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀርፍ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ።
ኣነ ምእንትኣቶም እልምን ኣለኹ። ናትካ እዮም እሞ፥ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፥ ምእንቲ ዓለምስ ኣይልምንን እየ።
እቲ ኣንጠረኛ እስክንድሮስ፥ ብዙሕ ጕድኣት ኣብፂሑለይ እዩ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ይፍደዮ።
ኵሉ ኽፉእ ስራሕ፥ ሓጢኣት እዩ። እንተ ኾነ፥ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣትውን ኣሎ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳሙኤል “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትናስ፥ ንጉስ ብምልማንና ወሲኽና ኽፉእ ጌርና ኢና እሞ ምእንቲ ኸይንመውትስ፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና” በልዎ።
ሰብ ንሰብ እንተ በደለ፥ እግዚኣብሄር የተዓርቖ፤ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደለኸ መን የተዓርቖ?” በሎም። እግዚኣብሄር ከጥፍኦም ስለ ዝደለየ ግና፥ ዘረባ ኣቦኣቶም ኣይሰምዑን።