8 እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ፤ ምሕረትካውን ንዅሎም ዝፅውዑኻ ብዙሕ እዩ።
ብዝተረፈ፥ ኣሕዋተይ፥ ደሓን ኩኑ፤ ፍፁማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥
ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ እሞ።
እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፥ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ፦ “እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ፤ ኣብኡውን ፀልማት ከቶ የለን” እትብል እያ።
“ኣነ እፈልጦ እየ” ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ፤ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
“ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዝብል፥ ንሓዉ ግና ዝፀልእ፥ ገና ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ።
ፅድቂ ዘይገብርን፥ ንሓዉ ዘየፍቅርን፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ደቂ እግዚኣብሄርን፥ ደቂ ዲያብሎስን፥ በዙይ እዮም ዝፍለጡ።
እቲ ዅሉ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ሓጢኣት ዝገብር ግና፥ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፤ ኣይፈለጦንውን።
ንሕናውን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር፤ እግዚኣብሄርውን ኣብኡ ይነብር።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ፍቕሪ ኻብ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንስንሳትና ንፋቐር። ዘፍቅር ኵሉ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ እዩ፤ ንእግዚኣብሄርውን ይፈልጦ እዩ።