5 ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፤ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከዓ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ።
ኣፈይ ስራሕ ሰብ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ፤ ስለ ቓል ከናፍርካ ጭንቂ ዝኾኑ መንገድታት ሓለኹ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ።
ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”
“ንንፋስ ተኸቲሉ ስለ ወይንን ስለ ስኽራንን ትንቢት ክነግረካ እየ ኢሉ፥ ሓሰት ዝዛረብ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ነዝ ህዝቢ እዙይ ነቢይ ይኸውን።
ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ፥ ብጥበብ ስለ ዝገበረ፥ ጐይታኡ ነኣዶ፤ ካብ ደቂ ብርሃንስ፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ናብራ ዓለም ይበላሓቱ እዮም እሞ።
ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፤ ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑን እሞ፥ ዓለም ፀልኦም።
ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑንሞ።
እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመፅእ፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ፤ እቲ ኻብ ምድሪ ዝኾነ ኸዓ፥ ምድራዊ እዩ፤ ናይ ምድሪ እውን ይዛረብ፤ እቲ ኻብ ሰማይ ዝመፅእ ግና፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ።
ኢየሱስ ድማ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፤ ኣነ ግና ኻብ ላዕሊ እየ፤ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፤ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮንኩን።
ነቲ ኣእዛኖም ክሰምዖ ዝህንጠዮ ነገር፥ ዝነግርዎም መምህራን ክእክቡ እምበር፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ፥ ንምስማዕ ዘይደልዩሉ ዘመን ክመፅእ እዩ እሞ።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።