3 ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመፀ ዘይኣምን ኵሉ መንፈስ ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። እዙይ ከዓ፥ እቲ ኸም ዝመፅእ ሰሚዕኹምዎ ዝነበርኩም፥ ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕዚ እውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ።
‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም።
ደቀይ፥ እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት እያ። ፀረ ክርስቶስ ከም ዝመፅእ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ድሮውን ብዙሓት ተፃረርቲ ክርስቶስ፥ ተሲኦም ኣለዉ፤ እዚኣ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምዃና ኸዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።
እቲ ንኢየሱስ፥ መሲሕ ምዃኑ ዝኽሕድ እንተ ዘይኮይኑኸ፥ መን እዩ እቲ ሓሳዊ? እቲ ንኣብን ንወልድን ዝኽሕድ፥ ፀረ ክርስቶስ እዩ።
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ኸም ዝመፀ ዘይኣምኑ፥ ብዙሓት መስሐትቲ፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ። እዙይ፥ እቲ መስሓቲን፥ ፀረ ክርስቶስን እዩ።