18 እታ ፍፅምቲ ፍቕሪ፥ ንፍርሓት ኣውፂኣ ደኣ ትድርብያ እምበር፥ ኣብ ፍቕርስ ፍርሓት የለን። ፍርሓት፥ ምስ መቕፃዕቲ ዝተተሓሓዘት ስለ ዝኾነት፥ እቲ ዝፈርሕ ሰብ፥ ፍቕሩ ፍፁም ኣይኮነን።
ዘደንግፅ ድምፂ ኣብ ኣእዛኑ ኾይኑ የድሂ፤ ደሓን ኣለኹ ኽብል እንተሎ መጥፍኢ ይመፆ።
ስጋይ ንኣኻ ኻብ ምፍራሕ ዝተልዓለ ደንገፀ፤ ካብ ፍርድኻ ዝተልዓለ እፈርሕ ኣለኹ።
ከመይ ንጥፍኣት ኮኑ? ብድንገት ሃለቑ፤ ብሓጢኣቶም ድማ ጠፍኡ።
ፈሪሳውያን ግና፥ “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ” በሉ።
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ።
እምበኣር ዘይትናወፅ መንግስቲ ስለ እንቕበል፥ ብፍርሓትን ኣኽብሮትን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ እናበልና፥ ንእኡ እነምልኸሉ ፀጋ ንሓዝ።
ንስኻስ ሓደ እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ትኣምን ኢኻ፤ ፅቡቕ ገበርካ፤ ኣጋንንቲ እውን፥ ይኣምኑን ብፍርሒ ይንቅጥቀጡን እዮም።
ንእግዚኣብሄር ዝረአዮ ሓደኳ የለን። ንስንሳትና እንተ ተፋቐርና ግና፥ እግዚኣብሄር ኣባና ይነብር፤ ፍቕሩውን ኣባና ፍፁም ይኸውን።