13 እግዚኣብሄር ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ፥ ንሱውን ኣባና ኸም ዝነብር ንፈልጥ ኢና።
ንሕና ግና፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ዝሃበና ፀጋ ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ መንፈስ ደኣ ተቐበልና እምበር፥ ናይዝ ዓለም መንፈስ ኣይተቐበልናን።
ሰብነትኩም፥ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን።
ትእዛዛት እግዚኣብሄር እንተ ሓሊና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግፅ።
እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።
እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝሕሉ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር። ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር። እግዚኣብሄር ኣባና ኸም ዝነብር ከዓ፥ በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ኢና እንፈልጥ።