12 ንእግዚኣብሄር ዝረአዮ ሓደኳ የለን። ንስንሳትና እንተ ተፋቐርና ግና፥ እግዚኣብሄር ኣባና ይነብር፤ ፍቕሩውን ኣባና ፍፁም ይኸውን።
ያእቆብ ከዓ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ሪአዮ ነፍሰይ ድሒና ተረፈት እንትብል፥ ነታ ቦታ “ጰኒኤል” ኢሉ ሰመያ።
ሰብ ሪኡኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፥ ገፀይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።
ምስኡ ኣፍ ንኣፍ እየ ዝዛረብ፤ ብስዉር ዘይኮነ ብግልፂ እየ ዝዛረቦ እምበር ብምስላ ኣይኮነን፤ ምስሊ እግዚኣብሄርውን ይርኢ። ከመይከ ኣብ ልዕሊ ባርያይ ሙሴ ንምዝራብ ዘይፈራሕኹም?”
ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
እምበኣር እምነት፥ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ፀኒዖም ይነብሩ፤ ካብዚኣቶም ዝዓቢ ግና ፍቕሪ እዩ።
ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን።
ንሱ በይኑ፥ ዘይመውት እዩ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸቶ ዘይረአዮ፥ ክሪኦውን ዘይኽእል፥ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር እዩ፤ ንእኡ ንዘለኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
ነቲ ዘይረአ ስለ ዝረአየ ፀንዐ፤ ንቝጥዓ ንጉስ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብእምነት ንግብፂ ሓደጋ።
እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።
እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝሕሉ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር። ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር። እግዚኣብሄር ኣባና ኸም ዝነብር ከዓ፥ በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ኢና እንፈልጥ።
ንሕናውን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር፤ እግዚኣብሄርውን ኣብኡ ይነብር።
ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ፥ ነቲ ዘይረአዮ እግዚኣብሄር፥ ከፍቅር ኣይከኣሎን እዩ እሞ፥ ንሓዉ እናፀልአ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣፍቅር እየ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ።
ንሕና ግና ኻብ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ዝፈልጥ ይሰምዐና፤ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዘይኮነ ግና፥ ኣይሰምዐናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሰትን ከዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጦ።