11 ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንስንሳትና ኽንፋቐር ይግብአና እዩ።
ንሱ ድማ “እቲ ሰናይ ዝገበረሉ” በሎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ኪድሞ፥ ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ።
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።
ኵሉ ምረትን፥ ንደትን፥ ቍጥዓን፥ ሁከትን፥ ፀርፍን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።
ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም፥ ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፥ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ። እቲ ናይ ቀደም ትእዛዝ ከዓ፥ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ቓል እዩ።
እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዋ መልእኽቲ፥ “ንስንሳትና ንፋቐር” እትብል እያ።
ትእዛዙ ድማ፥ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘና ጌርና፥ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን፥ ንስንሳትናውን ክንፋቐርን እዩ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ፍቕሪ ኻብ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንስንሳትና ንፋቐር። ዘፍቅር ኵሉ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ እዩ፤ ንእግዚኣብሄርውን ይፈልጦ እዩ።
ሕዚ እውን እመቤት፥ ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነስ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ትእዛዝ እየ፥ ዝፅሕፈልኪ ዘለኹ፤ ንሱውን፥ “ንስንሳትና ኽንፋቐር” እልምነኪ ኣለኹ።