9 ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ስለ ዘሎ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተወለደውን፥ ሓጢኣት ክገብር ኣይኽእልን እዩ።
ንስኻትኩም “ሱር እቲ ነገር ኣብኡ ተረኺቡ እዩሞ፥ ከመይ ጌርና ኽነሳጕጎ እንተ በልኩም፥
ንሳቶም ዓመፅ ኣይገብሩን፤ ብመንገድታቱ ኸዓ ይኸዱ።
ካብ ገምቦም ሓደ ኣብ ዝዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸዓ፥ ንሱ ንፁህ እዩ።
ፅቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኽፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ፅቡቕ ፍረ ኽፈሪ ኣይኽእልን እዩ።
ንሳቶም ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለዱ እምበር፥ ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወለዱ እዮም።
ኢየሱስ ድማ “ሰብ ካልኣይ እንተ ዘይተወሊዱ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።
ኣይፋልናን፤ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር?
ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም።
እዝ እምነት እዙይን፥ እዝ ፍልጠት እዙይን፥ እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ዳግም ዝተወለድኩም፥ ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር፥ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን።
ንሱ ፃድቕ ምዃኑ እንተ ደኣ ትፈልጡ ዄንኩም፥ ኵሉ ፅድቂ ዝገብር፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወለደ ፍለጡ።
እቲ ዅሉ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ሓጢኣት ዝገብር ግና፥ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፤ ኣይፈለጦንውን።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ፍቕሪ ኻብ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንስንሳትና ንፋቐር። ዘፍቅር ኵሉ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ እዩ፤ ንእግዚኣብሄርውን ይፈልጦ እዩ።
ኵሉ፥ ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነ ዝኣምን፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ እዩ፤ ኵሉ እቲ ንወላዲ ዘፍቅር ኸዓ፥ ነቲ ኻብኡ ዝተወለደውን የፍቅር እዩ።
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ ሓጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ ርእሱ ይሕሉ፤ እቲ ኽፉእውን ኣይነኽኦን።
ኵሉ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ ንዓለም ይስዕራ። እታ ንዓለም እንስዕረላ ኸዓ፥ እምነትና እያ።
ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።