Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ዮሃንስ 3:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ካብ መጀመርታ ጀሚሩ፥ ሓጢኣት ዝገብር ዘሎ ዲያብሎስ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልፀ።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ዮሃንስ 3:8
26 Referencias Cruzadas  

ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።


በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፥ ነቲ ቕልጡፍ ተመን ንሌዋታን፥ ነቲ ዝጠዋወ ተመን ንሌዋታን ክቐፅዖ፥ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከዓ ኽቐትሎ እዩ።


ሙሴ ኸዓ ኻብ ነሃስ ተመን ገበረ፤ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ብተመን ዝተነኸሰ ዝኾነ ሰብ ናብቲ ተመን ነሃስ እንተ ጠመተ ይሓዊ ነበረ።


ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ እምበኣር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም መፂኣ ኣላ ማለት እዩ።


እታ ግራት ዓለም እያ፤ ፅሩይ ዘርኢ ድማ፥ ደቂ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና፥ ደቂ እቲ እኩይ እዮም።


እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ።


እናእወየ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ” በለ።


ኢየሱስ ድማ፦ “ሰይጣን ከም መብረቕ፥ ካብ ሰማይ ክወድቕ እንተሎ ረአኽዎ።


እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ።


ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ፥ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈረዶ እዩ።


ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።


ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።


ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።


ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።


እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።


እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥


ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።


እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።


እዝ ህይወት ተገለፀ፤ ንሕና ኸዓ ሪኢናዮ ኢና፤ ንምስክርውን ኣለና። ምስ ኣብ ዝነበረ፥ እቲ ንኣና ዝተገልፀ ዘለኣለማዊ ህይወት ንነግረኩም ኣለና።


ፅድቂ ዘይገብርን፥ ንሓዉ ዘየፍቅርን፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ደቂ እግዚኣብሄርን፥ ደቂ ዲያብሎስን፥ በዙይ እዮም ዝፍለጡ።


ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ሓጢኣት የለን።


ንሕና ናይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንና፥ ኵላ ዓለም ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽፉእ ከም ዘላ፥ ንፈልጥ ኢና።


ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።


እቲ ዘስሕቶም ዝነበረ ዲያብሎስ ከዓ፥ ናብቲ እቲ ኣራዊትን፥ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዝተደርበይዎ፥ ቃላይ ሓዊን ዲንን፥ ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከዓ፥ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።


ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos