7 ደቀይ፥ ሓደኳ ኣየስሕትኩም፤ ከምቲ ክርስቶስ ፃድቕ ዝኾነ፥ እቲ ፅድቂ ዝገብር ከዓ፥ ፃድቕ እዩ።
ኵልሻዕ ፍትሒ ዝሕልዉን ቅንዕና ዝገብሩን ዝተባረኹ እዮም።
ንፅድቂ ፈተኻ፤ ንዓመፃ ድማ ፀላእኻ፤ ስለዙይ ሕልፊ ብፆትካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ።
ፅድቅኹም ካብ ፅድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን የመና እንተ ዘይበሊፁ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፥ ኢለ እነግረኩም ኣለኹ።
ብዅሉ ዘመን ህይወትናውን፥ ኣብ ቅድሚኡ ብቕድስናን ብፅድቅን፥ ምእንቲ ኽነገልግሎ እዩ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም ዝፀድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቁ።
ዓመፅቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ፥
ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ኣብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።
ፍረ ብርሃን፥ ኣብ ኵሉ ሰናይን፥ ቅንዕናን ሓቅን እዩ፥ ዝርከብ እሞ።
ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።
ብዛዕባ ወልድ ግና፥ “ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፤ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ።
ኣብርሃም ድማ፥ ካብቲ ዅሉ ዝማረኾ ኣስራት ሃቦ። ቅድም ትርጕም ስሙ “ንጉስ ፅድቂ” ማለት እዩ፤ ደሓርውን “ንጉስ ሳሌም” እዙይ ድማ “ንጉስ ሰላም” ማለት እዩ።
ፈፀምቲ ቓል ኩኑ እምበር፥ ንባዕልትኹም እናታለልኩም፥ ሰማዕቲ ጥራሕ ኣይትኹኑ።
ንስኻስ ሓደ እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ትኣምን ኢኻ፤ ፅቡቕ ገበርካ፤ ኣጋንንቲ እውን፥ ይኣምኑን ብፍርሒ ይንቅጥቀጡን እዮም።
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ብዛዕባ እቶም ዘስሕቱኹም እየ እዙይ ዝፀሓፍኩልኩም።
ንሱ ፃድቕ ምዃኑ እንተ ደኣ ትፈልጡ ዄንኩም፥ ኵሉ ፅድቂ ዝገብር፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወለደ ፍለጡ።
ኣቱም ደቀይ፥ ብግብርን ብሓቅን እምበር፥ ብቓል ወይ ብልሳን ጥራሕ ኣይንፋቐር።
ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ዝገብር፥ ከምቲ ንሱ ንፁህ ዝኾነ፥ ንባዕሉ የንፅህ።
ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ትብዓት ክህልወና፥ በዙይ እታ ፍቅሪ ኣባና ተፈፀመት፥ ከምቲ ንሱ ዘለዎ፥ ከምኡውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘለና እሞ።