6 እቲ ዅሉ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ሓጢኣት ዝገብር ግና፥ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፤ ኣይፈለጦንውን።
ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
እምበኣር ደቀይ፥ ንሱ ኽግለፅ እንተሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፥ በታ ዝመፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸይንሓፍርስ፥ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።
ትእዛዛት እግዚኣብሄር እንተ ሓሊና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግፅ።
“ኣነ እፈልጦ እየ” ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ፤ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ኢና፤ እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን። ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።
ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ስለ ዘሎ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተወለደውን፥ ሓጢኣት ክገብር ኣይኽእልን እዩ።
እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን።
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ ሓጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ ርእሱ ይሕሉ፤ እቲ ኽፉእውን ኣይነኽኦን።
ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።