23 ትእዛዙ ድማ፥ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘና ጌርና፥ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን፥ ንስንሳትናውን ክንፋቐርን እዩ።
ጐይታ ኸይቍጣዕሞ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ መንገዲ ኸይትጠፍኡስ፥ ተግሳፁ ተቐበሉ፤ ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፤ ኣብኡ ዝምዕቘቡ ዅሎም ብፁኣን እዮም።
እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ እትብል እያ።
ብሩህ ደመና መፂኡ ድማ ሸፈኖም፤ ካብቲ ደመና ኸዓ፥ “እዙይ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም።
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።
“ልብኹም ኣይሸበር፤ ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ብኣይውን እመኑ።
ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ።
ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።
ነቲ ኢየሱስ ብበዓል ፋሲካ ኣብ ኢየሩሳሌም እንተሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረአዩ፥ ብዙሓት ሰባት ብእኡ ኣመኑ።
እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን እዩ፤ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።
ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።
ንሳቶም ከዓ “ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እመን፤ ንስኻን ስድራኻን ድማ፥ ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ።
ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።
ብዛዕባ ፍቕሪ ኣሕዋት ግና፥ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ካብ እግዚኣብሄር ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፥ ሓደኳ ኽፅሕፈልኩም ኣየድልን።
“ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፥ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ።
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
ፍቕሪ፥ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም፥ ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም፥ ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፥ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ። እቲ ናይ ቀደም ትእዛዝ ከዓ፥ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ቓል እዩ።
እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዋ መልእኽቲ፥ “ንስንሳትና ንፋቐር” እትብል እያ።
ኵሉ፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዝኣምን ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር፤ ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር።
እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ፥ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር፥ ንሓዉ ድማ የፍቅር” ዝብል እዩ።
ብስም ወዲ እግዚኣብሄር ንትኣምኑ ንኣኻትኩም፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዙይ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።