Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ዮሃንስ 3:19 - መፅሓፍ ቅዱስ

19-20 ካብ ሓቂ ወገን ምዃንና ኸዓ፥ በዙይ ክንፈልጥ ኢና፤ ሕሊናና እንተ ወቐሰና፥ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ዝዓብን፥ ኵሉ ዝፈልጥን ስለ ዝኾነ፥ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ኽነህድኦ ኢና።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ዮሃንስ 3:19
15 Referencias Cruzadas  

ንትእዛዛትካውን ደልየ ኣለኹሞ፤ ንሳውን ኮነትኒ።


ናይ ፅድቂ ስራሕ ሰላም፥ ናይ ፅድቂ ፍረ ድማ፥ ንዘለኣለም ህድኣትን ምትእምማንን ክኸውን እዩ።


ንስንሳትኩም ፍቕሪ እንተ ሃልዩኩም፥ ደቀ መዛሙርተይ ከም ዝኾንኩም፥ በዙይ ኵሉ ኽፈልጥ እዩ።”


ጲላጦስ ድማ “እምበኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንጉስ ምዃነይ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፤ ምእንቲ እዙይውን እየ ናብ ዓለም ዝመፃእኹ፤ ካብ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ ኸዓ፥ ቃለይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።


ነቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ እግዚኣብሄር ክፍፅሞ ኸም ዝኽእል፥ ኣፀቢቑ ተረዲኡ ነበረ።


ስለዙይ ሞት ኮነ ህይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ ወይ ዝኾነ ሓይሊ፥


በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።


ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።


እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ሞቱ። ነታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎምውን ኣይረኸብዋን፤ ግና ብርሑቕ ሪኦም ተሳለምዋ፤ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም፥ ቅቡል ገይሮምዎውን ሓለፉ።


ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን።


ነቲ ሓቂ ስለ እትፈልጥዎን፥ ኵሉ ሓሰት ካብቲ ሓቂ ኸም ዘይኮነ፥ ስለ እትፈልጡን እየ እምበር፥ ስለ ዘይትፈልጥዎ ኣይኮንኩን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ።


ንሕና ነሕዋትና ነፍቅሮም ስለ ዝኾንና፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ሓዉ ዘየፍቅር ግና፥ ኣብ ፅላል ሞት እዩ ዝነብር።


ኣቱም ፍቑራተይ፥ ልብና እንተ ዘይወቐሰና ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos