Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ዮሃንስ 3:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 ኣቱም ደቀይ፥ ብግብርን ብሓቅን እምበር፥ ብቓል ወይ ብልሳን ጥራሕ ኣይንፋቐር።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ዮሃንስ 3:18
18 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብዝ ጥቓይ ኣብ ኰዅሒ ደው እትብለሉ ቦታ ኣሎ።


ከም ኣመፃፅኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመፁ፤ ከም ህዝበይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፤ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፤ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም፤ ብኣፎም ድማ ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፤ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዝኸይድ።


ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ፥ ኣነ ምእንትኣቶም ንርእሰይ እቕድስ ኣለኹ።


ግብዝና ዘይብሉ ፍቕሪ ይሃልኹም። ንኽፍኣት ተፀየፍዎ፤ ንሰናይ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።


ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ።


እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ እናተዛረብና፥ ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።


ነቲ ናይ እምነት ስራሕኹም፥ ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ፃዕርኹም፥ ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ ፅንዓትኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና።


ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።


ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።


ደቀይ፥ ሓደኳ ኣየስሕትኩም፤ ከምቲ ክርስቶስ ፃድቕ ዝኾነ፥ እቲ ፅድቂ ዝገብር ከዓ፥ ፃድቕ እዩ።


ካብ ሽማግሌ፥ ናብታ ሕርይቲ እመቤትን፥ ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፥ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኵላቶም እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጡዋ ዘፍቅርዎም፤


ካብ ሽማግሌ፥ ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዝፈትዎ ፍቑር ጋይዮስ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos