15 ኵሉ ንሓዉ ዝፀልእ፥ ቀታሊ ነፍሲ እዩ። ኵሉ ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም።
ኤሳው ድማ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ንያእቆብ ዝሃቦ ምርቓ፥ ንያእቆብ ተቐየሞ። ኤሳው ከዓ “ብሞት ኣቦይ እንሓዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ብድሕሪኡ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ” ኢሉ ሓሰበ።
ኣነ ግና ዅሉ ንሰበይቲ ሪኡ ዝተመነያ፥ ብልቡ ፈፂሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ።
ሄሮድያዳ በዙይ ተቐዪማ ኽተቕትሎ ትደሊ ነበረት፤ እንተ ኾነ ኣይከኣለትን።
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።
ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።
ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ ኣይሁድ፥ “ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ኣይንብላዕ፥ ኣይንስተ” ኢሎም ተመሓሓሉ።
ንሳቶም ከዓ፥ ናብ ሊቃነ ካህናትን ናብ ሽማግለታትን ከይዶም፥ “ንሕና ‘ንጳውሎስ እንተይቀተልና፥ ዝኾነ ኸይንጥዕም ተመሓሒልና ኣለና’።
“ግና ሓደ ሰብ ንብፃዩ እንተ ፀልኦ፥ ኣድብዩ ፀኒሑ ድማ ኽሳዕ ዝመውት እንተወቕዖ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከዓ እንተ ሃደመ፥
ድሕሪዙይ ትምኒት ምስ ጠነሰት፥ ንሓጢኣት ትወልድ፤ ሓጢኣት ምስ ዓበየት ድማ፥ ንሞት ትወልድ።
ዳግም ዝተወለድኩም፥ ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር፥ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን።
እቲ ንሓዉ ዝፀልእ ግና፥ ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ፤ ኣብ ፀልማትውን ይነብር፤ ፀልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፥ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።
“ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዝብል፥ ንሓዉ ግና ዝፀልእ፥ ገና ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ።
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።