12 ከምቲ ኻብ ሰይጣን ወገን ዝነበረ፥ ንሓዉ ኸዓ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ? ግብሩ ኽፉእ፥ ግብሪ ሓዉ ግና፥ ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።
ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ።
ኣቤሴሎም ከዓ ኣምኖን ንትእማር ሓፍቱ ስለ ዘነወራ፥ ፀሊእዎ ነበረ እሞ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይተዛረቦን።
ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ይፍሕሰሉ፤ ኣስናኑውን ኣብ ልዕሊኡ ይሕርቅም።
ንፅድቂ ስለ ዝተኸተልኩ፥ ክንዲ ሰናይ ክፉእ ዝምልሱ ይፀልኡኒ ኣለዉ።
ቍጥዓ ጨካን እዩ፤ ኵራውን ውሕጅ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ክቐውም ይኽእል?
መፍሰስቲ ደም፥ ንፍፁም ሰብ ይፀልእዎ፤ ነፍሲ እቲ ቕኑዕውን ይደልዩ።
ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፃድቃን ፍንፉን እዩ፤ እቲ ብቕኑዕ መንገዲ ዝመላለስ ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣተኛታት ፅሉእ እዩ።
ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ።
እታ ግራት ዓለም እያ፤ ፅሩይ ዘርኢ ድማ፥ ደቂ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና፥ ደቂ እቲ እኩይ እዮም።
ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ።
ጲላጦስ “ንሱ እንታይ ክፉእ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና “ይሰቐል!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ።
ነገርኩም ‘እወ፥ እወ’ ወይ ከዓ ‘ኣይኮነን፥ ኣይኮነን’ ደኣ ይኹን። ካብዙይ ዝሓለፈ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ እዩ።
ኢየሱስ ድማ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም፥ ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም?” በሎም።
ሕዚ ግና ካብ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኽዎ ሓቂ ንዝነግረኩም፥ ነኣይ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም፤ ኣብርሃምስ ከምዙይ ኣይገበረን።
ንስኻትኩም ግና ግብሪ ኣቦኻትኩም ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕናስ ብዝሙት ዝተወለድና ኣይኮንናን። ሓደ ኣቦ ኣለና፤ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ።
ካብ ነቢያትከ፥ ኣቦታትኩም ዘየሳጐጕዎ መን ኣሎ? ንሳቶም፥ ነቶም ብዛዕባ ምምፃእ እቲ ፃድቕ፥ ኣቐዲሞም ንዝነገሩ ቐተልዎም፤ ሕዚ እውን ንስኻትኩም፥ ነቲ ፃድቕ ኣሕሊፍኩም ብምሃብ ቐተልኩምዎ።
ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነብራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መሲልኩምወን ኢኹም። ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ መከራ ዝተቐበላ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም፥ መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ።
ኣቤል፥ ካብ መስዋእቲ ቃየል ዝበልፅ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ብእምነት ኣቕረበ። እግዚኣብሄር፥ ንመስዋእቱ ብፅቡቕ ስለ ዝተቐበሎ ኸዓ፥ ፃድቕ ሰብ ከም ዝኾነ መስከረሉ። ሞይቱ እንተሎውን፥ ገና ብእምነቱ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ።
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ።
ካብ መጀመርታ ጀሚሩ፥ ሓጢኣት ዝገብር ዘሎ ዲያብሎስ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልፀ።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!
እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ብደም ቅዱሳንን፥ ብደም እቶም መሰኻኽር ኢየሱስን፥ ሰኺራ ረአኽዋ። ምስ ረአኽዋ ድማ፥ የመና ተገረምኩ።