10 ፅድቂ ዘይገብርን፥ ንሓዉ ዘየፍቅርን፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ደቂ እግዚኣብሄርን፥ ደቂ ዲያብሎስን፥ በዙይ እዮም ዝፍለጡ።
ኣቤሴሎም ከዓ ኣምኖን ንትእማር ሓፍቱ ስለ ዘነወራ፥ ፀሊእዎ ነበረ እሞ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይተዛረቦን።
እታ ግራት ዓለም እያ፤ ፅሩይ ዘርኢ ድማ፥ ደቂ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና፥ ደቂ እቲ እኩይ እዮም።
ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን፥ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ፥ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም።
ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም።
ነቶም ዝተበተኑ ደቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓደ ኽእክቦምውን እምበር፥ ቤዛ ህዝቢ ጥራሕ ክመውት ኣይኮነን።
ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ ዝሰምዕ። ንስኻትኩም ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኮንኩም ኣይትሰምዑን።”
“ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልአካ ወዲ ዲያብሎስ ፀላኢ ዅሉ ፅድቂ፥ ነቲ ቕኑዕ መንገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥምዛዝዶ ኣይትዓርፍን?
እንትርፊ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ምስ ሓደኳ ኻልእ ዕዳ ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንብፃዩ ዘፍቅር፥ ንሕጊ ፈፂምዎ እዩ እሞ።
እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ።
ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ።
ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።
ንሱ ፃድቕ ምዃኑ እንተ ደኣ ትፈልጡ ዄንኩም፥ ኵሉ ፅድቂ ዝገብር፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወለደ ፍለጡ።
ውሉድ እግዚኣብሄር ተብሂልና ምእንቲ ኽንፅዋዕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ረአዩ! ውሉድ እግዚኣብሄርውን ኢና። ዓለም ንእኡ ስለ ዘይፈለጠቶ እያ፥ ነኣናውን ዘይፈለጠትና።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ኢና፤ እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን። ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።
እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ፥ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር፥ ንሓዉ ድማ የፍቅር” ዝብል እዩ።
ንሕና ግና ኻብ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ዝፈልጥ ይሰምዐና፤ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዘይኮነ ግና፥ ኣይሰምዐናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሰትን ከዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጦ።
እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን።
ንሕና ናይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንና፥ ኵላ ዓለም ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽፉእ ከም ዘላ፥ ንፈልጥ ኢና።
ንእግዚኣብሄር ብምፍቃርን፥ ትእዛዛቱ ብምሕላውን ኢና፥ ነቶም ደቂ እግዚኣብሄር፥ ከም እነፍቅሮም እንፈልጥ።
ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።