4 “ኣነ እፈልጦ እየ” ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ፤ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።
ብዙሓት ሰባት፥ ብሕልፊ ኻብቶም “ዝኣመኑ ኣህዛብ ይገረዙ” ዝብሉ ኣይሁድ፥ ዘይእዙዛት፥ ለፍለፍትን መታለልትን ኣለዉሞ።
“ንእግዚኣብሄር ንፈልጦ ኢና” ይብሉ፤ ብተግባሮም ግና ይኽሕድዎ፤ ዘፀይፉን ዘይእዙዛትን፥ ሰናይ ንምስራሕ ዘይበቕዑን እዮም።
“ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፥ ሓሳዊ ንገብሮ፤ ቃሉውን ኣባና የለን።
“ምስኡ ሕብረት ኣለና” እናበልና፥ ኣብ ፀልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ ንሓቂ እውን ኣይንገብራን ዘለና።
ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን።
ትእዛዛት እግዚኣብሄር እንተ ሓሊና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግፅ።
“ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዝብል፥ ንሓዉ ግና ዝፀልእ፥ ገና ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ።
እቲ ዅሉ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ሓጢኣት ዝገብር ግና፥ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፤ ኣይፈለጦንውን።
ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ፥ ነቲ ዘይረአዮ እግዚኣብሄር፥ ከፍቅር ኣይከኣሎን እዩ እሞ፥ ንሓዉ እናፀልአ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣፍቅር እየ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ፍቕሪ ኻብ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንስንሳትና ንፋቐር። ዘፍቅር ኵሉ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ እዩ፤ ንእግዚኣብሄርውን ይፈልጦ እዩ።