26 ብዛዕባ እቶም ዘስሕቱኹም እየ እዙይ ዝፀሓፍኩልኩም።
ፃድቕ ንብፃዩ መንገዲ የርእዮ፤ ንሓጥኣን ግና መንገዶም የጋግዮም።
“ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ኣሎ፥ ኢሎም ንህዝበይ ኣስሒቶም እዮም፤ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ እንሆ ንሳቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ይመርግዎ።
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም እሞ፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ሕሩያትውን፥ ከስሕቱ ምልክትን ዘደንቑ ነገራትን ክገብሩ እዮም።
ሓደኳ ትሕትና ብዝመስልን፥ ንመላእኽቲ ብዝግበር ኣምልኾን፥ ነቲ ዓስብኹም ኣየግድፍኩም፤ እዝ ሰብዙይ በቲ ዝረኽቦ ራእይ እናተመፃደቐ፥ ከንቱ ብዝኾነ ስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ዝዕበ እዩ።
ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ከም ባህሊ ሰብን፥ ከም ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን፥ ከንቱን መታለልን ዝኾነ ፍልስፍና ገይሩ፥ ሓደኳ ኸይማርኸኩም ተጠንቀቑ።
በቲ ዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ገሊኣቶም እምነቶም ክሒዶም፥ ንመታለልቲ መናፍስትን፥ ንትምህርቲ ኣጋንንትን ከም ዝስዕቡ፥ መንፈስ ብገሃድ ይነግር ኣሎ።
እቶም ክፉኣት ሰባትን መምሰልትን ግና፥ እናኣስሓቱን እናሰሓቱን፥ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ክበፅሑ እዮም።
ደቀይ፥ ሓደኳ ኣየስሕትኩም፤ ከምቲ ክርስቶስ ፃድቕ ዝኾነ፥ እቲ ፅድቂ ዝገብር ከዓ፥ ፃድቕ እዩ።
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ኸም ዝመፀ ዘይኣምኑ፥ ብዙሓት መስሐትቲ፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ። እዙይ፥ እቲ መስሓቲን፥ ፀረ ክርስቶስን እዩ።