25 እዙይ ከዓ፥ እቲ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም።
ኣብዝ ዓለም እዙይ ብዙሕ ካዕበት፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም ከዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የለን” በሎም።
ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን።
እቲ ትእዛዙ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ፤ ስለዙይ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ኸምቲ ኣብ፥ ዝነገረኒ ገይረ እየ ዝዛረቦ ዘለኹ።”
ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም፥ ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ።
እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”
እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘለዎ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?
ነቶም ሰናይ እናገበሩ፥ ምስጋናን ክብርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ብትዕግስቲ ዝፅበዩ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ።
ስለዙይ፥ ከምቲ ሓጢኣት ሞት ብምምፃእ ዝነገሰ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምኡ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ብፅድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክነግስ እዩ።
ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ።
በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እየ፥ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ቅድም ኣባይ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላፅ፥ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ፥ መርኣያ ገበረኒ።
ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፤ ነታ ዝተፀዋዕኻላ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽርውን ፅቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሓዝ።
በዝ መንገዲ እዙይ፥ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም፥ ፅኑዕ መሰረት ምእንቲ ክኾኖም፥ ንርእሶም ሃብቲ ኽእክቡ እዮም።
እዝ እምነት እዙይን፥ እዝ ፍልጠት እዙይን፥ እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
እዝ ህይወት ተገለፀ፤ ንሕና ኸዓ ሪኢናዮ ኢና፤ ንምስክርውን ኣለና። ምስ ኣብ ዝነበረ፥ እቲ ንኣና ዝተገልፀ ዘለኣለማዊ ህይወት ንነግረኩም ኣለና።
ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀን፥ ነቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ፥ ምስትውዓል ከም ዝሃበናን ንፈልጥ ኢና። ንሕና ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።
ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብፅሕ፥ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተፀበኹም ከዓ፥ ንርእስኹም ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ሓልዉ።