2 ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ኾነ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ኵሉ ዓለምውን እምበር፥ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራሕ ኣይኮነን።
እቲ ብዕፃ፥ ንምልቃቕ ዕፃ ዝበፅሖ ጤል ግና ንምልቃቕ ናብ ምድረ በዳ ኽስደድ፥ ንኸስተስርየሉ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።
እቲ ሓሽከር ከዓ ‘ጐይታይ፥ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ ኣለኹ፤ ይኹን እምበር ገና ቦታ ኣሎ’ በሎ።
ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።
ኣነ ድማ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፥ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።”
ነታ ሰበይቲ እውን “ባዕልትና ሰሚዕና ደኣ እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር፥ ብዘረባኺ ጥራሕ ኣይኮንናን ዝኣመንና” በልዋ።
ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ።
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ሓጢኣት የለን።
ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንወዱ መድሓኒ ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፤ ንምስክርውን ኣለና።
ንሕና ናይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንና፥ ኵላ ዓለም ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽፉእ ከም ዘላ፥ ንፈልጥ ኢና።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።