16 ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ስጋ፥ ባህጊ ዓይንን፥ ናይ ናብራ ትምክሕትን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን።
እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።
እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ድማ ነተን ኣጓላት ደቂ ሰብ፥ መልክዐኛታት ምዃነን ምስ ረአዩ፥ ካብኣተን ዘዝመረፅወን ኣንስቲ ወሰዱ።
“ምስ ዓይነይ ቃል ኪዳን ኣተኹ፤ ደጊም ናብ ቆንጆ ኸመይ ኢለ ኽርኢ?
ስለዙይ ትዕቢት ሓዞም፤ ንሓጢኣትን ንበደልን ከም ክዳን ተወንዘፍዋ።
ንነፍሶም ምግቢ እናደለዩ፥ ብልቦም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ።
ካብቲ ዝደለይዎ ኣየስኣኖምን፤ መብልዖም ገና ኣብ ኣፎም እንተሎ፥
ሞትን ሲኦልን ከም ዘይፀግቡ፥ ዓይኒ ወዲ ሰብውን ኣይፀግብን።
ንፅባቐኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፤ ቈላሕታኣውን ኣይማርኽካ።
“እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ።
ነቶም ህርፋን ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ስለ ዝቐበርዎም፥ እታ ቦታ እቲኣ “መቓብር ህርፋን” ተብሃለት።
እቲ ኣብ መንጎኣቶም ዝነበረ ዝተፈላለየ ህዝቢ ህርፋን ሓዞ፤ ደቂ እስራኤልውን ይበኽዩ ነበሩ፤ “እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? በሉ።
መሊሱ ዲያብሎስ የመና ነዊሕ ናብ ዝኾነ እምባ ወሲዱ፥ መንግስታት ኵሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥
ኣነ ግና ዅሉ ንሰበይቲ ሪኡ ዝተመነያ፥ ብልቡ ፈፂሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ።
ዲያብሎስ ድማ፥ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦ፤ ንመንግስታት ኵሉ ዓለምውን፥ ብቕፅበት ዓይኒ ኣርኣዮ።
ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፥ ድልየቱ ንኽፍፅም፥ ንስጋኹም ኣይትሕሰቡ።
እዙይ ከዓ ኸምቲ ንሳቶም ነቲ ኽፉእ ዝተመነይዎ፥ ንሕናውን ምእንቲ ኸይንምነ፥ ምሳሌ ኾነና።
ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም።
እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።
ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።
እዝ ፀጋ እዙይ፥ ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና፥ ብፅድቅን ብመንፈሳዊ ህይወትን፥ ክንነብር ይምህረና።
ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።
እዛ ጥበብ እዚኣ፥ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፥ ካብ ላዕሊ ኣይኮነትን።
ሕዚ ግና ትዘሃሩን ትምክሑን ኣለኹም። ከምዙይ ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸዓ፥ ክፉእ እዩ።
ካብቲ ዝተዘምተ ሓደ ፅቡቕ ካባ ሰናዖርን ክልተ ኺሎ ግራም ብሩርን ፍርቂ ኺሎ ግራም ዝምዘን ወርቅን ምስ ረአኹ፥ በሃግክዎ እሞ ወሰድክዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ድንኳነይ ኣብ ዘሎ ምድሪ ቤት፥ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ ተሓቢኡ ኣሎ” በሎ።
እዙዛት ውሉድ ከም ምዃንኩም፥ ከምቲ ቐደም፥ ብዘይፍልጠት እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ክፉእ ድሌትኩም ኣይትግበሩ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።
ንሳቶም፥ ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር፥ ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም፥ ብኽፉእ ትምኒት ስጋን፥ ብርኽሰትን፥ ይሓባብልዎም ኣለዉ።