14 ኣቱም ቈልዑ፥ ንኣብ ፈሊጥኩምዎ ኢኹምሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጓብዝ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፥ ነቲ ኽፉእውን ስለ ዝሰዓርኩምዎን፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።
ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድል፥ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ።
በቲ ንሱ ዝለኣኾ ስለ ዘይኣመንኩም ከዓ፥ ቃሉ ኣባኻትኩም ኣይሓድርን።
ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ብቓለይ እንተ ፀኒዕኹም፥ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።
ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምስ እፈልጥ እየ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይሓደረ ግና፥ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
በቲ ኽቡር ሓይሉ፥ ብዙሕ ትዕግስትን ፅንዓትን ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፥
ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ።
እምበኣር፥ ጢሞቴዎስ ወደይ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ።
እንሆ ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፥ ኣብ ልቦምውን ክፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኾኖም እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ፥ በዒንትና ዝረአናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውናውን ዝዳህሰስናዮ ቓል ህይወት፥ ንነግረኩም ኣለና።
“ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፥ ሓሳዊ ንገብሮ፤ ቃሉውን ኣባና የለን።
ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፥ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።
እንፈትዎም ድማ፥ ስለ እቲ ኣባና ዘሎ፥ ንዘለኣለም ከዓ ምሳና ዝነብር ሓቂ ኢልና ኢና።
ንስኻ በታ ሓቂ ትነብር ከም ዘለኻ፥ ኣሕዋት መፂኦም፥ ብዛዕባ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም፥ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።
ትዕግስቲ ኸም ዘለካ፥ ስለ ስመይ ኢልካውን፥ መከራ ኸም ዝተፃወርካን፥ ከም ዘይሰልከኻን፥ እፈልጥ እየ።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’