12 ደቀይ፥ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ስም ክርስቶስ፥ ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።
ሓይሉ ምእንቲ ኸፍልጥ፥ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሓኖም።
ኦ ጐይታ፥ ሓጢኣተይ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ስምካ ይቕረ በለለይ።
ክድዓትና ብዙሕ እዩ፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና፤ ስለዙይ ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓጢኣትና እኳ እንተ መስከረልና፥ ስለ ስምካ ኢልካ ግበር።
ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።
ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ “ኣታ ሰብኣይ፥ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።
ብእኡ ዝኣምን፥ ብስሙ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረክብ፥ ኵሎም ነቢያት መሰኻክሩ እዮም” በሎም።
እምበኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ እዝ እንነግረኩም መልእኽቲ፥ ‘ስርየት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ዅሉ፥ ብሕጊ ሙሴ ኽፀድቕ ዘይተኽኣሎ፥ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ።
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
ገሊኻትኩም ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።
ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድሕነት፥ ከምቲ ሃብቲ ፀጋኡ ድማ፥ ስርየት ሓጢኣት ረኸብና።
ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።
ንሱ ብደሙ ተቤዘወና፥ እዙይውን ስርየት ሓጢኣት እዩ።
እዝ እንፅሕፈልኩም ዘለና፥ ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ኢልና ኢና።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።
ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ነቲ ሓቂ ስለ እትፈልጥዎን፥ ኵሉ ሓሰት ካብቲ ሓቂ ኸም ዘይኮነ፥ ስለ እትፈልጡን እየ እምበር፥ ስለ ዘይትፈልጥዎ ኣይኮንኩን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም፥ ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፥ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ። እቲ ናይ ቀደም ትእዛዝ ከዓ፥ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ቓል እዩ።