4 እዝ እንፅሕፈልኩም ዘለና፥ ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ኢልና ኢና።
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም።
ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፥ ብድምፂ መርዓዊ የመና ይሕጐስ። ደጊም ሓጐሰይ ተፈፀመ።
ብእምነት ፀኒዕኹም ስለ ዘለኹም፥ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንሰርሕ ደኣ ኢና እምበር፥ ኣብ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኮንናን።
ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።
ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ብወረቐትን ብቐለምን ደኣ፥ ክፅሕፎ ኣይደለኹን እምበር፥ ናባኻትኩም ዝፅሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ። ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ግና፥ ናባኻትኩም ክመፅእ እሞ፥ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር።