2 እዝ ህይወት ተገለፀ፤ ንሕና ኸዓ ሪኢናዮ ኢና፤ ንምስክርውን ኣለና። ምስ ኣብ ዝነበረ፥ እቲ ንኣና ዝተገልፀ ዘለኣለማዊ ህይወት ንነግረኩም ኣለና።
ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት።
ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን።
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ መሰኻኽረይ ኢኹም።
ካብ ኣብ ወፂአ፥ ናብ ዓለም መፃእኹ፤ መሊሰውን ንዓለም ሓዲገ፥ ናብ ኣብ ክኸይድ እየ።”
ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።
ኦ ኣቦ! ሕዚ ድማ በቲ ዓለም እንተይተፈጥረ፥ ኣባኻ ብዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ።
እቲ ነዙይ ዝረአየ መስከረ፤ እቲ ምስክርነቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ፥ ንሱ ሓቂ ኸም ዝዛረብ ይፈልጥ እዩ።
ካብ ሙታን ድሕሪ ምትስኡ፥ ንደቀ መዛሙርቱ እንትግለፀሎም፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜ እዩ።
ብዘይ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን።
ኣነ ግና ኻብኡ እየ፤ ንሱ ስለ ዝለኣኸኒ እውን እፈልጦ እየ” በለ።
ኣነ ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝረአኽዎ እዛረብ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ከዓ ነቲ ኻብ ኣቦኻትኩም ዝረአኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም” በሎም።
ንሱ ዝተገልፀ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዘይኮነስ፥ ነቶም መሰኻኽር ምእንቲ ክኾኑ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንዝሓረዮም፥ ንኣና እዩ እምበር፤ ካብ ምዉታን ድሕሪ ምትሳኡ፥ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናንውን ንሕና ኢና።
እግዚኣብሄር ነዝ ኢየሱስ፥ ኣተሲእዎ እዩ፤ ንሕና ዅላትና ኸዓ፥ ናይዝ ነገር እዙይ መሰኻኽር ኢና።
ነቲ ወሃብ ህይወት ድማ ቐተልኩምዎ፤ ንእኡ ግና እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ኣተስኦ፤ ንሕና ኸዓ ነዙይ ምስክር ኢና።
ንሕና ነዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢና፤ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም፥ መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።”
ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።
ጊዜኡ ምስ በፅሐ ግና፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኽቢዘው፥ ንሕናውን ናይ ውሉድነት ስልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይቲ እውን ተወለደ፤ ንሕጊ እውን ተኣዛዚ ኾነ።
እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።
እዝ ፀጋ እዙይ፥ ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።
እዝ እምነት እዙይን፥ እዝ ፍልጠት እዙይን፥ እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ኣነ ኸምኣቶም ሽማግለ ዝኾንኩ፥ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ፥ ኣብቲ ደሓር ክግለፅ ዘለዎ ኽብሪውን ተኻፋሊ ዝኾንኩ፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ሽማግለታት፥ እምዕዶም ኣለኹ።
ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ፥ በዒንትና ዝረአናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውናውን ዝዳህሰስናዮ ቓል ህይወት፥ ንነግረኩም ኣለና።
እዙይ ከዓ፥ እቲ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ሓጢኣት የለን።
ካብ መጀመርታ ጀሚሩ፥ ሓጢኣት ዝገብር ዘሎ ዲያብሎስ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልፀ።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንወዱ መድሓኒ ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፤ ንምስክርውን ኣለና።
ንመንፈስ እግዚኣብሄር፥ በዙይ ኢኩም እትፈልጥዎ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ኸም ዝተገለፀ ዝኣምን ኵሉ መንፈስ፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ምስክርነቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሄር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሂቡና እዩ፤ እዛ ህይወት እዚኣ ኸዓ ኣብ ወዱ ኣላ።
ብስም ወዲ እግዚኣብሄር ንትኣምኑ ንኣኻትኩም፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዙይ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።
ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀን፥ ነቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ፥ ምስትውዓል ከም ዝሃበናን ንፈልጥ ኢና። ንሕና ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።