10 “ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፥ ሓሳዊ ንገብሮ፤ ቃሉውን ኣባና የለን።
ሰብ ንፁህ ክኸውን እንታይ እዩ? ካብ ሰበይቲ ዝተወልደኸ ፃድቕ ክኸውን እንታይ እዩ?
ከምዙይ እንተ ዘይኮይኑኸ ሓሳዊ ዝገብረኒ፥ ንዘረባይውን ከንቱ ኽገብሮ ዝኽእል መን እዩ?
ሓጢኣት እንተ እትቈፃፀርስ፥ ኦ ጐይታ፥ መን ክቐውም ይኽእል?
‘ኣነ ንፅህቲ እየ፤ ብርግፅ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ ኣለኺ። ኣነ ግና እንሆ ‘ሓጢኣት የብለይን’ ስለ ዝበልኪ፥ ብፍርዲ ክኸሰኪ እየ።
እቲ ንምስክርነቱ ዝተቐበለ ግና፥ እግዚኣብሄር ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ኣረጋገፀ።
ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ።
ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን።
ኣቱም ቈልዑ፥ ንኣብ ፈሊጥኩምዎ ኢኹምሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጓብዝ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፥ ነቲ ኽፉእውን ስለ ዝሰዓርኩምዎን፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።
“ኣነ እፈልጦ እየ” ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ፤ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
ኣቱም ደቀይ፥ ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሄር ኢኹም እሞ፥ ስዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ የመና ዓብዪ እዩ እሞ።
ብወዲ እግዚኣብሄር ዝኣምን፥ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምን፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክርነት ስለ ዘይኣመነ፥ ንእግዚኣብሄር ሓሳዊ ይገብሮ።
እንፈትዎም ድማ፥ ስለ እቲ ኣባና ዘሎ፥ ንዘለኣለም ከዓ ምሳና ዝነብር ሓቂ ኢልና ኢና።