8 ሸሓራይም ከዓ ነተን ኣንስቱ ሑሺምን በዕራን ምስ ፈትሐን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ደቂ ወለደ፤
ነቶም ካብ ዕቁባታቱ ዝወለዶም ግና፥ ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ካብ ይስሓቅ ወዱ ኣርሒቑ፥ ውህብቶታት ሂቡ ናብ ምድሪ ምብራቕ ኣቢሉ ሰደዶም።
ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸዓ ንዮባብን ንዲብያን ንሜሴን ንማልካምን፥
በቲ መሳፍንቲ ዝገዝኡሉ ዝነበረ ዘመን፥ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ክልተ ደቁን ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ናብ ምድሪ ሞኣብ ክቕመጥ ከደ።