11 ካብ ሑሺም ከዓ ንኣቢጡብን ንኤልፍዓልን ወለደ።
ንይዑፅን ንሻኽያን ንሚርማን ወለደ፤ እዚኣቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ።
ኤልፍዓል ድማ፥ ንዔቤርን ንሚሻምን ንሻሚድን ወለደ፤ ንሱ ነተን ኣኖን ሎድን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ ቍሸታተን ዝመስረተ እዩ።