5 ኣብ ኵሎም ዓሌታት ይሳኮር፥ ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተቘፀሩ፥ ሰማንያን ሸውዓተን ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም።
ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ነበርዎም። ስለዙይ በብትውልዶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ንውግእ ዝተዳለዉ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ ሰባት ነበሩ።
ደቂ ብንያም፦ ቤላ፥ ቤኬር፥ ይዲኤል ሰለስተ እዮም።