2 ደቂ ቶላ ኸዓ፥ ኦዚ፥ ረፋያ፥ ይሪኤል፥ የሕማይ፥ ይብሳም፥ ሰላምኤል ነበሩ። እዚኣቶም ናይ ዓሌት ቶላ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ብዘመን ዳዊት ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓያላት ተዋጋእቲ ነበርዎም።
ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰሪዖም ነበሩ፦ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ኣሽሓትን ኣሕሉቕ ሚእትታትን፥ እቶም ብዅሉ ናይ ክፍልታት ሰራዊት ንንጉስ ዘገልግልዎ መኳንንቶምን ኮይኖም ተሰርዑ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ብዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ዝቖመ ነበረ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ምስ ካልእ ክፍሊ ሰራዊት ኣብ ወወርሒ እናተለዋወጠ ዅልሻዕ የገልግል ነበረ።
ደቂ ይሳኮር ኣርባዕተ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ቶላ፥ ፉዋ፥ ያሱብ፥ ሺምሮን እዮም።