Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ይ ዜና 5:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ይሁዳ ድማ ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ በርትዐ፤ ገዛኢውን ካብኡ ወፀ፥ ብዅርና ግና ናይ ዮሴፍ እዩ ዝነበረ።

Ver Capítulo Copiar




1 ይ ዜና 5:2
25 Referencias Cruzadas  

ያእቆብ ከዓ “እምብኣር ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ።


ደቂ ልያ፦ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንያእቆብ፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን።


“ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም።


ካብቲ ኻብ ናይ ጥንቲ እምባታት በረከት፥ ካብ ናይ ዘለኣለም ኰረብታታት ምርቓ፥ ናይ ኣቦኻ በረከት ይበልፅ፤ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮሴፍ ይውረድ፤ ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ሓለቓ ኣብ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ግንባር ዮሴፍ ይዕረፍ።”


ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ።


“ግና ናይ እስራኤል ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ካብ ኵሉ ቤት ኣቦይ ሓረየኒ፤ ንይሁዳ መራሒ ክኸውን ሓርይዎ እዩሞ፥ ካብ ቤት ይሁዳውን ንቤት ኣቦይ ሓረያ፤ ካብ መንጎ ኣሕዋተይ ከዓ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ክነግስ መረፀኒ።


ገለዓድ ናተይ እዩ፤ ምናሴውን ናተይ እዩ፤ ኤፍሬም መፀግዒ ርእሰይ እዩ፤ ይሁዳ ንጉሰይ እዩ።


ገለዓድ ናተይ እዩ፤ ምናሴውን ናተይ እዩ፤ ኤፍሬም መፀግዒ ርእሰይ እዩ፤ ይሁዳውን ንጉሰይ እዩ።


“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።”


ሰራዊት ይሁዳ ብወገን ምብራቕ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ።


እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ።


ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም፥ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም።


ንወዲ እታ ፅልእቲ ኻብ ኵሉ ዘለዎ ዕፅፊ ብምሃብ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ። ንሱ ናይ ሓይሉ መጀመርታ ፍረ እዩ እሞ፤ በዅርነት ንእኡ እዩ ዝግባእ።


ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሒ እዩ፤ ኣቕርንቱ ኸም ሓደ ዝቐርኑ ሓርሽ እዮም፤ ብኣኣቶም ገይሩ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ንዘለዉ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ይወግኦም፤ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።”


ጐይታና ኢየሱስ፥ ካብቲ ሙሴ ብዛዕባ ክህነት ክዛረብ እንተሎ ዘይተዛረበሉ፥ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኸም ዝተወለደ ፍሉጥ እዩ።


ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጌልገላ ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ቐረቡ። ቀኔዛዊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ኸዓ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ ኣብ ቃዴስ በርኔ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።


ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ፥ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኣንበሳ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቲ ሸውዓተ ማሕተማቱን ክኸፍቶ፥ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።


እግዚኣብሄር ከዓ “ነገድ ይሁዳ ይደይብ፤ እንሆ፥ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ ኣለኹ” በለ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ እንተለኹስ፥ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ? ናብ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም ክልእኸካ፥ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝኾነኒ ሪአ ኣለኹ እሞ ቐርንኻ ዘይቲ መሊእኻ ኺድ” በሎ።


እሴይ ድማ ንሸውዓተ ደቁ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከዓ ንእሴይ “እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሓረዮምን” በሎ።


እሴይ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ፤ ንሱ ቐይሕ፥ ኣዒንቱን፥ ትርኢቱንውን ፅቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከዓ “ንሱ እዩ እሞ ተሲእኻ ቕብኣዮ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos