1 ደቂ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንእስራኤል እዚኣቶም እዮም። ሮቤል በዅሪ ወዱ ነበረ፤ ግና ደፊሩ ዓራት ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ፥ መሰል ብዅርናኡ ንደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተውሃበ። ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ግና፥ ከም በዅሪ ኣይተፅሓፈን።
እግዚኣብሄር ድማ፥ “ኣብ ማህፀንኪ ኽልተ ወገን ኣለዉ፤ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ክኽፈሉ እዮም፤ እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ሓደ ህዝቢ ኽብርትዕ እዩ፤ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽተይ ክግዛእ እዩ” በላ።
ያእቆብ ከዓ “እምብኣር ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ።
ልያ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር መከራይ ሪኡ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ክፈትወኒ እዩ” እንትትብል “ሮቤል” ኢላ ሰመየቶ።
እስራኤልውን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሮቤል፥ ዕቅብቲ ኣቦኡ ናብ ዝኾነት ናብ ባላ ኣተወ። ያእቆብ ድማ ብዛዕባኡ ሰምዐ። ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
ስም እቶም ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል፥ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ በዅሪ ያእቆብ፥ ሮቤል።
“ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም።
ደቂ ያእቆብ፦ ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን፥
ካብ ደቂ ሜራሪ ንዝኾነ ንሖሳ ደቂ ነበርዎ፤ ሽምሪ ሓለቓ ነበረ፤ ንሱ በዅሪ እኳ እንተ ዘይኮነ፥ ኣቦኡ እንተሎ ዋና ገበሮ።
ኣሕሉቕ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ እቲ በዅሪ እስራኤል ዝኾነ ሮቤል፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን ከርሚ እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ሮቤል እዮም።
ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ።
ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፥ ንሕፍረት ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ።
ስም ናይቶም ምሳኻትኩም ዝቖሙ ሰባት እዙይ እዩ፦ ካብ ሮቤል፥ ኤሊሱር ወዲ ሱሪሳዳይ፥
ቆሬ ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቃዓት ወዲ ሌዊ፥ ዳታንን ኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ፥ ኦን ከዓ ወዲ ፋሌት ካብ ነገድ ሮቤል፥
ካብቲ በዅሪ ያእቆብ ዝኾነ ሮቤል ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፥ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን፥
ኣብ ኣህዛብ እኳ ተገይሩ ዘይፈልጥ ምንዝርና፥ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ብፍላይ ካባኻትኩም፥ ሰበይቲ ኣቦኡ ዘእተወ ኸም ዘሎ፥ ይውረየኩም ኣሎ።
ንወዲ እታ ፅልእቲ ኻብ ኵሉ ዘለዎ ዕፅፊ ብምሃብ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ። ንሱ ናይ ሓይሉ መጀመርታ ፍረ እዩ እሞ፤ በዅርነት ንእኡ እዩ ዝግባእ።
ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝድቅስ፥ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሒ እዩ፤ ኣቕርንቱ ኸም ሓደ ዝቐርኑ ሓርሽ እዮም፤ ብኣኣቶም ገይሩ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ንዘለዉ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ይወግኦም፤ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።”
ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሄር ኣምሳልን፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ።
ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጌልገላ ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ቐረቡ። ቀኔዛዊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ኸዓ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ ኣብ ቃዴስ በርኔ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።