4 ፋኑኤል ኣቦ ጌዶር፥ ዔፄር ኣቦ ሑሻም፥ እዚኣቶም ደቂ ሆር በዅሪ ኤፍራታ ንቤተ ልሔም ዝመስረተ እዮም።
ዓዙባ ምስ ሞተት ከዓ፥ ካሌብ ንኤፍራታ ኣእተዋ እሞ ንሆር ወለደትሉ።
ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፦ ሆር፥ ኤፍራታ ዝወለዶ በዅሪ ወዱ ሶባል፥ ንሱ ኸዓ ንቂርያትይዓሪም ወለደ።
ሰልሞን ካልኣይ ወዱ፥ ንቤተ ልሔም ወለደ፤ ሓሬፍ ሳልሳይ ወዱ ኸዓ ኣቦ ቤት ጋዴር እዩ።
ደቂ ሰልሞን፦ ቤተ ልሔም፥ ነጦፋውያን፥ ዓጣሮት ቤት ዮኣብ፥ ፈረቓ መናሕታውያን፥ ፆርዓውያን እዮም።
ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ኢይዝራኤል፥ ይሽማ፥ ይድባሽ፤ ሃፅለልፎኒ እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም።
ንጥሪቶም መውፈሪ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ በቲ ንጌዶር ዘእቱ ኣቢሎም፥ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ።
እቲ ንቴቁሔ ዝመስረተ ኣሽሑር፥ ሔላን፥ ናዕራን፥ ዝበሃላ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ።
ሸዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምን እየን። ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ።
እቶም ኣብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ከዓ፥ “መሰኻኽር ኢና፥ ነዛ ናብ ገዛኻ እትኣቱ ሰበይቲ፥ እግዚኣብሄር ከምተን ብሓደ ኾይነን ንቤት እስራኤል ዝሃነፃ፥ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ንስኻ ኸዓ ኣብ ኤፍራታ ሃፍታም ኩን፤ ኣብ ቤተ ልሔምውን ስምካ ይፀዋዕ።