2 ራያ ወዲ ሶባል ድማ ንኢኤት ወለደ፤ ኢኤት ከዓ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ፤ እዚኣቶም ዓሌት ፆርዓታውያን እዮም።
ደቂ ይሁዳ፦ ፋሬስ፥ ኤስሮም፥ ካርሚ፥ ሆር፥ ሶባል እዮም።
ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ኢይዝራኤል፥ ይሽማ፥ ይድባሽ፤ ሃፅለልፎኒ እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም።
ኣብ ቈላ ዘለዋ ኸተማታት ድማ እዚኣተን እየን፦ ኤሽታኦልን ፆርዓን ኣሽናን፥
ኣብ ሰፈር ዳን ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን እንተሎ ድማ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ከነቓቕሖ ጀመረ።