11 ክሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፤ ምሒር ከዓ ንኤሽቶን ወለደ፤
ያቤፅ ድማ፦ “ኦ ኣምላኽ! በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ፤ ኢድካውን ምሳይ ትኹን፤ ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ” ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ። ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
ኤሽቶን ከዓ ንቤት ራፋን ንፋሴሓን ንተሒና ኣቦ ዒርናሓሽን ወለደ፤ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም።