10 ያቤፅ ድማ፦ “ኦ ኣምላኽ! በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ፤ ኢድካውን ምሳይ ትኹን፤ ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ” ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ። ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።
ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴል ዘሎ እምባ ተጕዓዘ፤ ኣብኡ ድማ ድንኳኑ ተኸለ እሞ፥ ቤቴል ብወገን ምዕራቡ፥ ጋይ ከዓ ብወገን ምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርበሉ መሰውኢ ሰርሐ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ፀውዐ።
ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥
ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ መሊሱኒ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክኸውን እዩ።
እቲ ሰብኣይ ድማ “ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ ክኸይድ ስደደኒ” በሎ። ያእቆብ ከዓ “እንተይባረኽካኒ ኣይሰደካን እየ” በሎ።
እቲ ሰብኣይ “መን እዩ ስምካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ስመይ ያእቆብ” እዩ ኢሉ መለሰ።
ንሱ ድማ “ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሰኒፍካ ኢኻ እሞ፥ ደጊም እስራኤል ደኣ እምበር ያእቆብ ተብሂልካ ኣይትፅዋዕን ኢኻ” በሎ።
ኣብኣ መሰውኢ ኣቝሙ ኸዓ “ኤል ኤሎሄ እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ።
እቲ መልአኹ ልኢኹ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር ነዞም ቈልዑ ይባርኮም። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሓቅን ኣብኣቶም ይፀዋዕ፥ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ ይብዝሑ።”
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፥ ስሙውን ፀውዑ፤ ግብርታቱ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ንገሩ።
ክሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፤ ምሒር ከዓ ንኤሽቶን ወለደ፤
ያቤፅ ድማ ኻብ ኣሕዋቱ ዝኸብር ነበረ። እኖኡ ኸዓ ብብርቱዕ ፃዕሪ ስለ ዝወለደቶ ያቤፅ ኢላ ሰመየቶ።
ኣነ መስሓቒ ብፆቱ ኸም ዝኾነ ሰብ ኮይነ ኣለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ዝፀዋዕኹዎ፥ ንሱውን ዝመለሰለይ ኣነ እየ፤ ፃድቕን ፍፁምን ዝኾነ ሰብ መላገፂ ኾነ።
ንትእዛዛትካ መሪፀ ኣለኹሞ፥ ኢድካ ዘድሕነኒ ይኹን።
እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ኽፉእ ክሕልወካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ኽሕልዋ እዩ።
ድልየት እቶም ዝፈርሕዎ ይፍፅም፤ ኣውያቶም ይሰምዕ፤ የድሕኖምውን።
ህይወት ለመነካ፤ ንነዊሕ ዘመን ንዘለኣለም ሃብካዮ።
ሓጐስ ምድሓንካ መሊስካ ሃበኒ፤ ብቕኑዕ መንፈስውን ደግፈኒ።
ደስታን ሓጐስን ኣስምዐኒ፤ ዝሰበርካዮም ኣዕፅምተይ ደስ ይበሎም።
ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ እግዚኣብሄርውን ሰምዐኒ።
ኵሉ ሰብ፥ ፀሎት ናብ እትሰምዕ ናባኻ ይመፅእ።
ስሙ ንዘለኣለም ቡሩኽ ይኸውን፤ ቅድሚ ፀሓይ ስሙ ኣሎ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብእኡ ኽባረኹ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኸመስግንዎ እዮም።
ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእኸል ካህናቱ፥ ሳሙኤል ከዓ ኣብ ማእኸል እቶም ስሙ ዝፅውዑ እዮም፤ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ፀውዕዎ፤ ንሱውን መለሰሎም።
በረኸት እግዚኣብሄር ተህብትም፤ ሓዘንውን ምስኣ ኣይውሰኽን።
ካብ ምትላልን ሓሰትን ሓልወኒ፤ ፀጊበ ኸይክሕደካ እሞ ‘እግዚኣብሄር መን እዩ?’ ኸይብል፥ ወይ ደኽየ ኸይሰርቕ እሞ ስምካ፥ ስም ኣምላኸይ ከየፅርፍስ፥ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፤ ግና እቲ ዘድልየኒ እንጀራ ሃበኒ።”
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ፅጉማትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ፥ ግና ኣይረኽቡን፥ መልሓሶም ከዓ ብፅምኢ ነቐፀ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም እየ፤ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይሓድጎምን እየ።
“ናባይ ጥራዕ፤ ኣነውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ዘይምርመርን ነገር ድማ ኽገልፀልካ እየ።
ጴጥሮስ ድማ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ እንተይነቀወ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
“ኣየ ንስኺ! በዝ መዓልቲ እዙይ ንሰላምኪ ዝኸውን ፈሊጥክዮ እንተ እትኾኒ! ሕዚ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ፤
ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን።
ንሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ “ትፈትወኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ እናሓዘነ “ጐይታ፥ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፤
እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”
ግብዝና ዘይብሉ ፍቕሪ ይሃልኹም። ንኽፍኣት ተፀየፍዎ፤ ንሰናይ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
ንወንጌል ተኣዘዝቲ ምዃንኩም፥ ኣብ ኵሉ ስለ ዝተሰምዐ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ። ንሰናይ ነገር ብልህታት፥ ንክፉእ ግና የዋሃት ክትኮኑ እደሊ ኣለኹ።
ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ፥ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተፀውዑ፥
እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
እምበኣር፥ በቲ ኣብ ውሽጥና ዝሰርሕ ሓይሉ ገይሩ፥ ካብቲ ዅሉ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን፥ እምብዛ ኣብዚሑ ኽገብር ንዝከኣሎ፥
ንመዓልቲ ድሕነትኩም እተሓተምኩምሉ፥ ነቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣይተሕዝንዎ።
እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፥ ሓልዩ ኸዓ፥ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸብቅዐኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።
ሽዑ ኤሊ “ብሰላም ኪዲ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኵሉ ዝለመንክዮ ልመና ይሃብኪ” በላ።
ኣዋርሕ ጥንሳ ምስ ተፈፅመ ሃና ወዲ ወለደት። “ካብ እግዚኣብሄር ለሚነ ዝረኸብክዎ እዩ” እንትትብል ሳሙኤል በለቶ።
ሃና ኸዓ “ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፥ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር ትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ።
ነዝ ህፃንዙይ ክህበኒ እየ ዝልምን ዝነበርኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ እቲ ዝለመንክዎ ሂቡኒ።