4 ሽዱሽቲኦም ኣብ ኬብሮን ተወለዱሉ። ኣብኣ ኸዓ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ። ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ።
ዳዊት ኣብ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ነገሰ፤ እዙይ ድማ፥ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
ኣርብዓ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ሸውዓተ ዓመት፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ገዝአ።
ሓምሻይ እቲ ኻብ ኣቢጣል ዝተወልደ ሰፋጥያስ፥ ሻድሻይ እቲ ኻብ ሰበይቱ ዔግላ ዝተወልደ ይትረሓም፥