3 ሓምሻይ እቲ ኻብ ኣቢጣል ዝተወልደ ሰፋጥያስ፥ ሻድሻይ እቲ ኻብ ሰበይቱ ዔግላ ዝተወልደ ይትረሓም፥
ራብዓይ ካብ ሓጊት ዝተወለደ ኣዶንያስ፤ ሓምሻይ ካብ ኣቢጣል ዝተወለደ ሰፋጥያስ፤
ሻድሻይ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት ዝተወለደ ይትረሃም፤ እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ እዮም።
ሳልሳይ እቲ ኻብ መዓካ፥ ጓል ተልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወልደ ኣቤሴሎም፥ ራብዓይ እቲ ኻብ ኣጊት ዝተወልደ ኣዶንያስ፥
ሽዱሽቲኦም ኣብ ኬብሮን ተወለዱሉ። ኣብኣ ኸዓ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ። ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።