8 እዚኣቶም ኵሎም ካብ ደቂ ዖቤድኤዶም ነበሩ። ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን ንኣገልግሎት ዝበቕዑ ንፉዓት ሰባት ነበሩ፤ ኵሎም ደቂ ዖቤድኤዶም ድማ ስሳን ክልተን ነበሩ።
ስለዙይ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማኡ ኸእትዎ ስለ ዘይፈተወ፥ ናብ ቤት እቲ ጌታዊ ኣቢዳራ ኣእተዎ።
ደቂ ሸማያ፦ ዖትኒ፥ ራፋኤል፥ ዖቤድ፥ ኤልዛባድ፥ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሓያላት ኤሊሁን ሰማክያን ዝበሃሉ ኣሕዋቱ ነበሩ።
ሜሱላምውን ዓሰርተ ሸሞንተ ንፉዓት ሰባት ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ።
ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፥ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፥ ነቲ ኻልኣይ ክልተ መክሊት፥ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ናብ ካልእ ሃገር ከደ።
ናይታ ብፊደል ዝተፅሓፈት ሕጊ ዘይኮነስ፥ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓዳስ ኪዳን፥ ኣገልገልቲ ኽንከውን ብቑዓት ዝገበረና እግዚኣብሄር እዩ፤ ፈደል ይቐትል፥ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ እዩ እሞ።
እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።